ግደ ኣንበጣ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግብን ብዓይኒ ሃይማኖትን

ብ ዲያቆን ካሕሳይ ታደሰ (ዶ/ር)

ምስፍሕፋሕ፣ ምልማዕን ምዝማንን ዘፈር ሕርሻ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ሓደ ሕብረተሰብ ልዑል ግደ ኣለዎ። ኣመፃፅኣ ወዲ ሰብን ዕቤት ሕርሻን ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ካብዚ ዝስዕብ ስእላዊ ዲያግራም ምርዳእ ይክኣል።

ፈጣሪ ኹሉ ዝከኣሎ እናሃለወ፣ ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዘለው ፍጥረታትን  ክፈጥር ከሎ ብትልሚ ከም ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ የረደኣና። ስለ ዝኾነ እውን ንወዲ ሰብ ዘድልይዎ ነገራት ኩሎም ምስ ኣዳለወ [ምስ ፈጠረ] ኣብ መወዳእታ ንወዲ ሰብ ፈጢርዎ ይብል መፅሓፍ ቅዱስ። ሕይወትና ብትልሚ ክንመርሕ ከምዘለና ፈላማይ መምህር ሕይወትና ፈጣሪና እዩ። ሽዱሽተ መዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሑ ኣብ መበል ሸብዓይ መዓልቲ [ዕለተ ሰንበት] ድማ ኣዕሪፉ።

ንስኻትኩም ናብራኹም ንምልዋጥን ውሕስነት ምግብኹም ንምርግጋፅን ኣብ ሸውዓተ መዓልቲ ክንደይ መዓልቲ ትሰርሑ? ኣብ መዓልቲ ኸ ክንደይ ሰዓት ኣብ ስራሕ ተሕልፉ?

እዚ ሕቶ  ንሓረስታይ፣ ንሙሁር፣ ንተምሃራይ፣ ካልእ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብናን ዝምለክቶን ክምልሶ ዝግባእን እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና እውን ፍጥረታት ፈጢሩ ምስ ወደአ እዩ ዘዕረፈ። እዙይ ማለት እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ክንመሃረሉ እዩ እምበር ንባህሪኡ “ድኻም” ኣይሰማምዖን።

ኣዳም ኣቦና እውን “ብላዕ በሃፈ ገፅከ” – ርሂፅካ ፅዒርካ ብላዕ“ እዩ ተባሂሉ [ዘፍ 3፡14-24]። ኣዳም ኣቦ ኩሎም ደቂ ሰባት እዩ። ኣንሕና ደቁ ድማ ሰሪሕና ደኺምና ክንበልዕ ከም ዘለና ግዴታና ጥራሕ ከይኾነስ ኣምላካዊ ትእዛዝ እውን እዩ። ብተወሳኺ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝፅሓፎ ክታሙ “ክሰርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ክብል ፅሒፉሎም እዩ [ተሰ ምዕ 3:9-10]። እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ሙሉእ ገይሩ እዩ ፈጢሩና።

ድኽነት ይኹን ሃፍቲ ብፍቓድና ወይ ጠንኪርና ብምስራሕና ወይ ብዘይምስራሕና ዝመፀ እምበር እግዚኣብሔር ንኽንደኪ ይኹን ንኽንሰንፍ ፍቓዱ ኣይኮነን።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ስንፍና ሓጢኣት ምዃኑ ኣብ ቅዱስ መፅሓፍ ብግልፂ ተፃሒፉ ይርከብ። ስለ ዝኾነ እውን እግዚኣብሔር ንዓና ኢሉ ዝፈጠሮም ኩሎም ጸጋታት ተፈጥሮ ብኣግባቡ ተጠቒምና፣ ምርግጋፅ ህልውናናን ውሕስነት ምግብናን ማሕበራዊ ግዴታና ጥራሕ ከይኮነስ ክርስቲያናዊን ሞራላዊን ግዴታና እውን እዩ።

ኣንበጣ በረከት ዶስ መርገም?

ቃል መፅሓፍ ቅዱስ ብርሃን እዩ ንጸልማት ድማ የጥፍእ፣ «ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመንገደይ ብርሃን እዩ» ከም ዝብል መዝ፡፻፲፱፣፻፭፣ ቃል መፅሓፍ ቅዱስ መኻሪ እዩ። ቅኑዕ መንገዱ ከዓ ይመርሕ። «ኣታ ወደይየ ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን ንልብኻ እውን ብመንገዱ ኣቕናዕዮ….. ኣብ ማእኸል ሰተይቲ ወይኒ፣ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን» እናበለ ይመኽር- ምሳ፦፳፫፣፲፱-፳፩፣፣

ቃል መፅሓፍ ቅዱስ ዝመክር፣ ዝግስፅ፣ ዘረጋግእ መምህር እዩ፣ ፪ይጢሞ፦፫፣፲፯, ራኢ፦፫፣፲፭-፲፱። ስለዚ ከም ክርስቲያን ሕይወትና ብቅዱስ መፅሓፍ መሰረት ክንመርሕ ግቡእ እዩ። ብመሰረት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፣ መሰረት ኩሎም ሐይማኖታዊ ሕግታት [ዶግማን ቀኖናን] ቅዱስ መፅሐፍ እዩ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ሕገ-መንግስቲ እቲ ዝለዓለ ሕጊ እንትኸውን፣ መሰረት ኩሎም ሕግታት ቅድስቲ ቤትክርስቲያን [ሕጊ-ኣምላኽ] ድማ ኣቲ ዝለዓለ ሕጊ ቅዱስ መፅሓፍ ይብሃል። ቅዱስ መፅሓፍ ብዕድሚኡ፣ ብዕምቆትን ትሕዝቶን ብኻልኦት መዐቐኒታትን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ሓይማኖታዊ መፅሓፍ እዩ።

መብዛሕትኦም ልምድታትናን ባልታትናን ቅዱስ መፅሓፋዊ ትውፊትን ትሕዝቶን ኣለዎም። ስለ ዝኾነ እውን ቅዱስ መፅሓፍ መምርሒ ህይወት ሕድ ሕድ ክርስቲያን እውን እዩ። እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝሃቦም መምርሒታትን ትእዛዛትን ብፍላይ ድማ ብዘዓባ ዝብልዑን ዘይብልዑን [እፅዋት፣ እንስሳት፣ ነፍሳት፣ ተሳሓብትን ሰጎምትን ኣብ ማያዊን ኣብ የብስን ዝነብሩ] ፍጥረታት ንቅዱሳኑ ብ ዝርዝር ከም ዝነገሮም ቅዱስ መፅሓፍ የረድኣና።

እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብዘዓባ ዝብልዑን ዘይብላዑን እፅዋት፣ እንስሳት [ኩሎም ፍጥረታት] መምርሒ እንትህቦ፣ ካብ ፍረ ይዂን ቖፅሊ “ዕፀ-በለስ ኣይትብላዕ ፣ ዝተረፈ ካሊእ ግን ብላዕ“ ኢልዎ እዩ [ዘፍ 3: 3]።

ንምንታይ ከምኡ ኢልዎ ዝብል ንኻሊእ ግዜ ዘሊልና ኣብቲ መምርሒ ሕይወትና ዝኾነ ቅዱስ መፅሓፍ ብዘዓባ ዝብልዑን ዘይብልዑን ፍጥርታት (እፅዋት፣ እንስሳት፣ ነፍሳት፣ ሓሳኹ ሓዊስካ) ፈጣሪና እንታይ ይፈቅድን ኣይፈቅድን ዝብል ኣስፊሕና ንርኣዮ። ምኽንያቱ ዕላማ እዚ ፅሑፍ ብፅልዋ ሃይማኖት፣ ዘልማዳውን ባህላዉን ምኽንያት ደቂ ሰባት ብፈጣሪ ዝተለገሰሎም ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ከይጥቀሙ፣ ውሕስና ምግቢ ከየረጋግፁን ህይወቶምን ናብርኦምን ኸይቕይሩን  ቐይዱ ሒዝዎም ስለ ዝርከብ እዩ። ቅዱስ መፅሓፍ መሰረት ዘይብሎም ልማዳዊን ባህላዊን  ከምኡ እውን ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮን ዘይብሎም ነገራት ገምጊምካ እቲ ሓቅን ትክክለኛ ሓሳብን ንሕብረተሰብና ንምፍላጥ እዩ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብ ኣዳም ቀፂሉ ትእዛዛቱ ዝሃቦ ንነብይ ሙሴ እዩ። ነብይ ሙሴ ሓሙሽተ መፃሕፍቲ ሕግታት ዝጸሓፈ፣ ክልተ ፅላታት ካብ እግዚኣብሔር ኢድ ዝተቐበለ፣ ምስጢረ መለኮቱ ኣብ ደብረታቦር ዝረኣየ ነብይ እዩ። ሙሴ ኣብ ዝፀሓፎም መፃሕፍቲ ዝብልዑን ዘይብልዑን እንስሳት፣ ነፍሳት፥ ኣዕዋፍን ካልኦት ተሰሓብትን ሰጎምትን ብግልፂ ቛንቋ ተፃሒፎዎም ንረኽቦም። [ኦሪትዘሌዋውያን 11፥1-31:  ዘዳ 14፡1-21]

“እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም“፣

“ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፣ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም።” ኦሪት ዘሌዋውያን 11፡1-2፣ “ካብ እንስሳ ፅፍሩ ስንጡቕ፣ ሸዀናኡ ድማ እተመቕለ፣ መጒስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ።”  [ኦሪት ዘሌዋውያን 11፡3]

“ግናኸ መጒስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቲም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።” [ኦሪት ዘሌዋውያን 11፡4]

ብብዙሕ ዶግማን ቀኖናን ዝመሳሰላ ኣብያተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ፣ ኣብ ዝብልዑን ዘይብዑን እንስሳት ኣፈላላይ ኣለወን። ንኣብነት ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኣርመንያን ግብፅን ሓሰማ ምብላዕ ዝፈቕዳ እንትኾና፣ ኣብያተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ሓሰማ ምብላዕ ኣይፈቕዳን። መሰረተን ድማ “ሓሰማ፡ ንሳ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጕስዕን እያ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ።” [ኦሪት ዘዳግም 14፡8]። ብሓፈሻ ሓሰማ ከም ዝይትብላዕ ልዕሊ 18 ግዜ ኣብ ቅዱስ መፅሓፍ ተጠቂሳ ንረኽባ።

እተን ካልኦት ኣብያተ ተክርስቲያን “ኦሪት ተሳዒሩ እዩ” ብዝብል ኣብ ሓዲስ ኪዳን “ኹሉ ተባሪዂ እዩ” ብዝብል ሓሳብ እንትጎዓዛ፣ ብኣንፃሩ ናይ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ድማ “ኢመጻእኩ እስዓሮሙ ለኦሪት ወለነብያት፣ ኣላ ከመ አፈፀሞሙ” [ኦሪትን ነብያትን ክስዕር ኣይመጻእኹን፣ ከፈጽሞም እምበር] ብዝብል ሃይለ ቃል ትምጉተን። ስለ ዝኾነ እውን ምብላዕ ሓሰማ ንተኸተልቲ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ሕርሚ እዩ። እዛ ቤተ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግብፂ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣመንታ ብዙሕ ፅዕንቶታት ኣሕዲራ እያ።

ኣብነት፥ ኣብ ዝብልዑን ዘይብልዑን እንስሳት ብዙሕ ኣፈላለይ ኣለና። በዓላት ንክባዝሑ፥ ምእመናን “በዓል እዩ” እናበሉ ኮፍ ኢሎም ክውዕሉ ወይ ስራሕ ንኸይሰርሑ ገይራቶም እያ። እዙይ እውን ንድኽነትናን  ዘይምዕቡል ልምዲ ስራሕ ንኽህልወናን ዓብይ ግደ ተፃዊቱ እዩ።

ኣንበጣ ብ ብሉይ ኪዳን [ኦሪት]

ስለዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን  ‘ክንፊ ዘለዎም በረርቲ ነፍሳትን፣ ከም ኣዕዋፍን ካሎኦት ክንፊ ዘለዎም ፍጥረታትን” ዝምልከት  “ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ፣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ” ኢሉና ኣሎ [ኦሪት ዘሌዋውያን 11፥21-22]።

ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ኣየናይ ዓይነት  ነፋሪ ወይ ዓይነት ኣንበጣ እዩ ክብላዕ ዝተፈቐደልና ዝብል እዩ?

መልሱ ድማ ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያን 11፥22  ኩሎም ዓይነታት ኣንበጣ ክብልዑ ከም ዘለዎም ብግልፂ ተቐሚጡ ይርከብ። “ ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፦ ፋንጣ በብዓይነቱን፣ ኣንበጣ በብዓይነቱን፣ ኲብኲብታ በብዓይነቱን፣ ጐደበ በብዓይነቱን” ይብል። [ኦሪት ዘሌዋውያን 11፥22 ]።

ብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ብሓዱሽ ኪዳን ፋንጣን ኣንበጣን ከይንበልዕ ዝኸልከለና ባህላዊ እምነትናን ኣተሓሳስባናን እምበር ሃይማኖታዊ ወይ ቅዱስ መፅሓፋዊ መሰረት የብሉን። ኩላትና ከም እንፈልጦ ቃለ እግዚኣብሔር እንትንፍፅም ንባረኽ ንቕደስ ከም ዝኾንና «ብጹዓንሲ እቶም ንቃል ኣምላኽ ዝሰምዑን ዝሕልውዎን እዮም» ከም ዝተባሃለ  [ሉቃ፦፲፩፣፳፰] ፣ ሕጊ ኣምላኽናን ትእዛዝ ፈጣሪናን ኣኽቢርና ክንበልዖምን ክንጥቀመሎምን ብፈጣሪ ዝተወሃቡና ፀጋታትን በርከትን ምጥቃምና ፅድቂ እምበር፣ ሓጢኣት ከም ዘይኮነ ካብቲ ካብ ብሉይ ኪዳን ዝተጠቐሰ ምርዳእ ይከኣል።

ኣንበጣ ብሓዱሽ ኪዳን [ወንጌል]

ናይ መወዳእታ ብሉይ ኪዳንን መጀመሪያ ሓዱሽ ኪዳንን ነብይ ተባሂሉ ዝፍለጥ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ምግቡ ወይ ቀለቡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ከም ዝነበረ ቅዱስ መፅሐፍ ይነግረና።

“ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጉሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ።”  [ወንጌል ማቴዎስ 3፥4 ፥ ማር 1:6]።

ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ልዑል ግደ ካብ ዝነበሮም ቅዱሳን መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ሓደ እዩ።

መንግስተ ሰማያት ቐሪባ እያ ንስሐ እተው እናበለ፣ ኣብ ምድረ ባዳ ዝሰበኸ፣ ድሕሪኡ ዝመጽእ ከም ዘሎ [ንጎይታ] ዘምሃረ፣ ዳሓር እውን ንጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ከጥምቆ ዝተመረፀ፣ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ምግቡ ኣንበጣ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣንበጣ ምብላዕ ፅድቂ እምበር ሓጢኣት ከም ዘይኮነ፣ የግዳስ ንቅዱሳን ምምሳል እዩ። ምክንያቱ ከም ቅዱስ ዮሐንስ ዝበሉ ቕዱሳን ዝተመገብዎ ስለ ዝኮነ።

“ኣንስቲ ዓለም ካብ ዝወለድኦም ከምኡ ዝበለ የለን” ዝተብሃለሉ ዮሐንስ መጥምቅ ምግቡ ኣንበጣ ከም ዝነበረ ቅዱስ መፅሓፍ ይነግረና። እሞ ንሕና ዲና ካብ ዮሐንስ በሊጽና? ብሃይማኖት ዝተኸልከለ ተዝኸውን ቅዱስ ዮሐንስ ንምንታይ ተመጊብዎ? ናይዚ መበገሲ ምክንያት ኣጉል ባህልን ዘይ ምፍላጥናን ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

እዚ መርገም ዝመስል ፀጋ ናብ ዕድል ክንቕይሮ ኣለና። ሃይማኖት እንድሕር ዘይከልከልና ባህልን ልምድን እዮም ቖሪኖም ሒዞምና ዘለው እሞ፣ ነዚኦም እውን “ይኣኽሎ” ንበሎም። ሓዱሽ ልምዲ ኣመጋግባ ኽነማዕብል ይግባእ። እንተዘይኾኑ ኣንበጣ እስካብ ዕድመ ልክዕና እናንበዐና ክነብር እዩ።  ብሃይማኖት ዓይኒ ተሪእናዮ ኣንበጣ ምግቢ ቅዱሳን እዩ [ማቴ 3:4]።

ኣንበጣ ምምጋብ ዘለዉዎ ረብሓታት

ኣንበጣ ምምጋብ ዮሐንስ ምምሳል ጥራሕ ከይኮነስ፣ ምርግጋፅ ውሕስነት ምግብን ምዕሩይ ዝኾነ ኣመጋግባን እዩ። ብመሰረት መፅናዕቲ ስነ መዓዛ ድማ ዝተማለአ ስነ መዓዛ ዘለዎ። ውፅኢት ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት ከም ዝሕብርዎ ሓሳኹ ብፍላይ ኣንበጣን ፊንጣን ናይ ዓሳ ትሕዝቶ ምግብነት ዝትክእ ዓቅሚ ከም ዘለዎም ይሕብሩና።

ኣንበጣን ስጋ ከብትን ዝተፈላለየ ኣመጋግባ ዘለዎም ኮይኖም፣ ትሕዝቶ ኣመጋግባኦም ድማ ከከም ዕድመን ኣመጋግባን እንስሳታት ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ክፈላለ ይኽእል። ይኹን እምበር ብሓፈሻ ኣንበጣ ልዑል መኣዛ ዘለዎ ምንጪ መግቢ ኮይኑ ይቑፀር። ንኣብነት፣ ብመሰረት ኣብ ጆርናል ኦፍ ኢንሰክትስ ከም መግብን ቀለብን ዝተሓትመ መፅናዕቲ ኣንበጣ ከከም ዓሌቶም ካብ 49% ክሳብ 72% ደረቕ ክብደት ልዑል መጠን ፕሮቲን ዝሓዙ እዮም። እዚ ድማ ፅቡቕ ምንጪ ኣገደስቲ ኣሚኖ ኣሲዳት ይገብሮም። እዙይ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ተኽሊ ዝተመርኮሰ ኣመጋግባ ድሩት ዝኾነ ላይሲን ሓዊሱ እዩ። 
ኣንበጣ ብቪታሚናትን ማዕድናትን ከም ኣይረን፣ ካልሲየምን ዚንክን እውን ዝሃብተመ እዩ። ብሓቂ ኣብ ጆርናል ፉድ ኮምፖዚሽን ኤንድ ኣናሊሲስ ዝተሓትመ መፅናዕቲ፣ ኣንበጣ ካብ ስጋ ከፍቲ ዝለዓለ መጠን ኣይረን፣ ካልሲየምን ዚንክን ከም ዘለዎም ኣረጋጊፁ እዩ።  
ብኣንፃሩ ድማ ስጋ ከፍቲ እውን ፅቡቕ ምንጪ ፕሮቲን ኮይኑ፣ ካብ ኣንበጣ ንላዕሊ ስብሕን ካሎሪን ዝሓዘ እዩ። 100 ግራም ዝምዘን ስጋ ከፍቲ ኣስታት 250 ካሎሪን፣ 18 ግራም ስብሕን ዝሓዘ ክኸውን ከሎ፣ 100 ግራም ዝምዘን ኣንበጣ ኣስታት 121 ካሎሪን 3.1 ግራም ስብሕን ዝሓዘ ምዃኑ መፅናዕቲ ትካል ምግቢ ዓለም የመልክት። 
ኣብ መደምደምታ፡ ስጋ ከፍትን ኣንበጣን ዝተፈላለየ መኣዛዊ ፕሮፋይል ክህልዎም እንከሎ፣ ኣንበጣ ግን ብፕሮቲን፣ ቪታሚንን ማዕድናትን ዝሃብተመ ልዑል መኣዛ ዘለዎ ምንጪ መግቢ እዩ።  
ኣንበጣ ምብላዕ [Nutritional value] ካብ ካልኦት ፍርያት እንስሳታት ብዓይኒ ኣመጋግባን ብዘላቕነትን ሓያሎ ብልጫታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ገለ ካብ ብልጫታት ምብላዕ ኣንበጣ እነሆ፤

ዋጋ መግቢ፦ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልፀ፣ ኣንበጣ ሃፍታም ምንጪ ፕሮቲን፣ ኣገደስቲ ኣሚኖ ኣሲዳት፣ ቪታሚናትን ማዕድናትን እዩ። ምስ ካልኦት ፍርያት እንስሳታት ከም ስጋ ከፍቲ ክነፃፀሩ ከለዉ፣ ኣብ ሓደ ምግቢ ዝወሓደ ስብሕን ውሑድ ካሎሪን ኣለዎም። 
ፍልፍል ስእሊ፦ካብ google.com

ዘላቒ ውሕስነት ከባቢ [Environmental sustainability]፦ ኣንበጣ  ኣዝዩ ዘላቒ ምንጪ መግቢ ኮይኑ፣ ምስ ባህላዊ ጥሪት ክነፃፀር እንከሎ፣ ንምፍራይ ውሑድ መሬት፣ ማይን ቀለብ የድልዮ። ብተወሳኺ ውሑድ ልቀት ጋዝ ምድረ በዳ የፍርዩ። እዚ ድማ ንለውጢ ክሊማ ኣብ ምቅላል ኣበርክቶ ይገብር። ብመሰረት ኣብ መፅሄት ግሎባል ፉድ ሴኩሪቲ ዝተሓትመ መፅናዕቲ፡ ኣንበጣ ካብ ስጋ ከፍቲ፣ ስጋ ሓሰማ፣ ወይ ደርሆ ኣዝዩ ዝተሓተ ኣሰር ካርቦን ኣለዎም (Oonincx et al., 2019)።
 
ምጉዳል ሓደጋ ሕማማት ዙኖቲክ [Reduced risk of zoonotic diseases]፥ ኣንበጣ ሓዊሱ ጣንጡ ምብላዕ፣ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ክመሓላለፉ ዝኽእሉ ሕማማት ዝኾኑ ሕማማት ዙኖቲክ ከጉድሉ ይኽእሉ። ምስ ባህላዊ ጥሪት ክነፃፀር እንከሎ፣ ጣንጡ ተሸከምቲ ሕማማት ዙኖቲክ ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ትሑት እዩ፡ ብሓፈሻኡ ድማ ኣመጋግባኦም ውሑስ ተባሂሉ ይውሰድ። 

ባህላዊ ትርጉም [Cultural significance] ፦ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ብዙሓት ባህልታት፣ ኣንበጣን ካልኦት ጣንጡን ንዘመናት ኣካል ባህላዊ ኣመጋግባ ኮይኖም ፀኒሖም እዮም። ምብላዕ ኣንበጣ ምድንፋዕ ባህላዊ ብዙሕነት ንምዕቃብን ዘላቒ ስርዓተ ምግቢ ንምድንፋዕን ክሕግዝ ይኽእል።

ኣብ መደምደምታ፡ ኣንበጣ ምብላዕ ካብ ካልኦት ፍርያት እንስሳታት ሓያሎ ብልጫታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ዋጋ ኣመጋግባኡ፣ ዘላቒ ውሕስነት ከባቢ፣ ምጉዳል ሓደጋ ሕማማት ዙኖቲክን ባህላዊ ትርጉምን ይርከብዎም።

 ስለዚ ሃይማኖታዊ መሰረት እውን እንድሕር ዘይብሉ፣ ትሕዝቶ ስነ መዓዛ ኣውን እተዘይሃልይዎ፣ ንጥዕናና ሃነፅትን ሓይሊ ወሃብትን ምግቢታት ካብ ኣንበጣን ፋንጣን ንርክብ ተኾይና፣ ዕስለ ወራር ኣንበጣ ናብ ምግብነት ብምልዋጥ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

ኣብዚ ክነወግዶ ዘለና ዘይምኽንያታዊ ኣተሓሳስባናን ባህላዊ እምነትናን እዩ። ከምዚ ምስ ንገብር ዘይምዕሩይ ኣመጋግባና ክመሓይሽ ይኽእል። ዝተማለአ ኣመጋግባ ኣብ መላእ ሕብረተሰብና እንተተርጋጊፁ፣ ሓዱሽ ወለዶና ብቁዕን ተወዳዳራይን ይኸውን፣ ብቁዕ ወለዶ ተሃልዩና ብቐሊሉ ሳይንስን ተክኖሎጂን ይስፋሕፋሕ፣ መሃዛይን ተመራምራይን ወለዶ ድማ ይበዝሕ፣ ድኽነት እውን ይቕንስ ወይ መሊኡ ታሪኽ ይኸውን።

ኣንበጣ ዝምገቡ ህዝቢታት ዓለምና
ብመሰረት ሪፖርት ቢቢሲ መደብ ቛንቛ ትግርኛ ኣብ ዓለምና ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ህዝቢ፣ ብፍላይ ኣብ ክፍለ ዓለማት ኤስያ፥ ኣፍሪካን ኣውሮፓን  ዝነብር ኣንበጣ ከም ዝምገብ ይሕብር [BBC News ትግርኛ፣ ነሐሰ 2022]

ኣብ 2050 በዝሒ ህዝቢ ዓለም 10 ቢልዮን ከም ዝበፅሕ ይግመት።  ብሰንኪ ለውጢ ኸባቢ ኣየር መጠን ምህርቲ ሕርሻ እናቐነሰ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ምምጋብ ኣንበጣን ካልኦት ሓሳኹን ኣድላዩ ከም ዝኾነ ኣብቲ ሚዲያ ከም ምንጭነት ዝተፀርሑ ውፅኢት መፅናዕቲታት የረድኡ።

ብተወሳኺ ንኸባቢ ኣየር እውን ውሑስ ይገብር። ብኽለት የብሉን። እቶም ኣንበጣ ዝመገብዎም ተኽሊታት እውን ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ዓልምና ስለዝበቑሉ፣ ኣብ ዓድና እውን ብተደጋጋሚ ብተፈጥሮ ብወራር መልክዕ ይኽሰቱ እዮም።

ስለዚ እዚኦም በረከት ዶ ወይስ መርገም?  ብልምድን ብባህልን ተቆሪንና  ክሳዕ መዓዝ ንጎዓዝ?

ንምንታይ ኢና ኣመጋግባና ይቐየር፥ ኣንበጣን ካልኦት ነፍሳትን እፅዋትን ምምጋብ ንልመድ ንብል ዘለና?

ዋሕዲ ምግቢ ስለ ዘጋጠመና? ኣይኮነን። ኣብ ዕፅዋን ክባን  ስለ ዘለና ዓፀቦ ምግቢ ስለ ዘጋጠምና እውን ኣይኮነን። ሕቶ ምንባርን ዘይምንባርን ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ስለ ዝምልሰልና እዩ። ከም ህዝቢ ቐፃሊ ህላወና ንምርግጋጽ ወሳኒ ስለ ዝኾነ  እዩ። መሃዛይን ተመራማራይን ወለዶ ንምውናን ዝተማልኣ ስርዓት ኣመጋግባ ተመጊቡ ዝዓበየ ወልዶ ክህልወና ስለ ዘለዎ እዩ። ካብ ፅግዕተኝነትን ልመናን ዝኾነ ይኩን ኣካል ወይ ሃገር ሓራ ንምዃን ዓርሰ ምርኮዛ ወሳኒ ስለ ዝኾነ እዩ። ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ፖለቲካዉን ዲፕሎማሲያውን ዕውትነት እውን ስለ ዘረጋግፅ እዩ።

ውድዓዊ ኩነንታት፥ ኣንበጣ ክቡር መግቢ ከም ዝኾነ ትፈልጡ’ዶ? – [BBC News ትግርኛ ነሐሰ 2022]

ኣብ ትግራይ እውን ክልመድ ዝሰርሑ ሰባት ኣለዉ። ጋዜጠኛ ወልደጊዮርግስ ገብረሂወት ሓደ ካብቶም ኣንበጣ ከም ሓደ ዓይነት ምግቢ ክብላዕን ክልመድን ዝፅዕር ዘሎ እዩ።