ዕበ ለገሰ ደብረፅዮን ተዓዋታይ ውድድር ኢኖቬሽን ኣቬሽን ኮይኑ

ንፈለማ ግዘ ለብዘበን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ኤክስፖ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ውድድር ምህዞ ኣቬሽን (aviation innovation) ዕበ ለገሰ ደብረፅዮን ንውሑድ ደቒቓ በሪራ ኣብ ሰማይ ክትፀንሕ ትኽእል ሞዴል ሄሊኮፕተር ሒዙ ብምቕራብ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ። ብኣተሓባባራይነት እቲ ኣብ ከይዲ ምጥያሽ ዝርከብ ኣክስዮን ኣገልግሎት ኣየር ኖርዝ ስታር ኣብ ውድድር ምህዞ ኣቬሽን ንትግራይ ወኪሉ ዝተወዳደረ መንእሰይ ዕበ ለገሰ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

እዚ ዓወት ብውልቃዊ ፃዕርን ፈጠራን ዕበ ለገሰን ሓገዝቱን ዝመፀ እንትኸውን ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘይተጠቕምናሎም ዓቕምታት ከም ዘለው ዘመላኽት እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ዘኹርዕ ውፅኢት መንእሰይ ዕበ ለገሰ ካብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ንፉዓት መናእሰይ ክወፁ ከም ዝኽእሉ ንምርኣይ ከም ዘገልግልን ተስፋ ዘስንቕን ዓብይ ዜና ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሲቪል ኣቬሽን ንውፅኢት ዕበ ለገሰን ካልኦት ስፖንሰር ዝተገበሩ መሃዝቲ ኣቬሽንን ሓበራዊ ፃዕሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንኢዱ።

ዕበ ለገሰ ኣብ ትግራይ፣ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ተወሊዱ ዝዓበየን ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ዓዲ ዳዕሮን ሽረ እንዳስላሰን ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ተኸታቲሉ እዩ። ካብ ቆልዕኡ ጀሚሩ ድልየት ምብራርን ምስራሕን ኣይሮፕላን ዝነበሮ ዕበ፣ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት ድማ ተደጋጋሚ ፈተነ ምስራሕ ከካይድ ፀኒሑ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ሰለስተ ግዘ ዝፈሸሉ ፈተነታት ዝገበረ እንትኸውን ኣብ መበል ራብዓይ ፈተንኡ ንዝተወሰነ ደቂቓ ክትበርር ዝክኣለት ኣይሮፕላን ሰሪሑ እዩ። እቲ ሕዚ ንውድድር ዘቕረቦ ሞዴል ድማ መበል ሻዱሻዩ እዩ።

ዕበ ለገሰ ብጀካ እቲ ሞተር ኩሎም ኣካላት እታ ኣውሮፕላን ኣብ ቀረባ ካብ ዝርከቡ ንጥረ ነገራት ኣራርዩ ከም ዝሰርሓ ይገልፅ። ንቕድሚት ገንዘባዊ ሓገዝ እንተረኺቡ ዝጀመሮ ምዕባለ ኣውሮፕላን ሓዊሱ ካልኦት ምህዞታት እውን ወሲኹ ዝሓሸ ነገር ክሰርሕ ከም ዝደሊ ይገልፅ።

ምስሊ፥ ዕበ ለገሰ