ሞት ተጋሩ ሱዳን፣ መፍርሒ ፀጥታ ከተማታት ትግራይ፣ ዋዕላ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ፣ ካብ ቀለቡ ቀኒሱ ወገናቱ ዝሕግዝ ሰራዊት . . .

ኣብ ሱዳን ይካየድ ብዘሎ ኩናት ሕድሕድ ዛጊድ ዝተፈልጡ 15 ተጋሩ ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።

ኣብ ሱዳን ብዝተወልዐ ኩናት ዛጊድ 15 ተጋሩ ከም ዝሞቱ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ኣፍሊጡ። እቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ 15 ተጋሩ ብሰንኪ ኣብታ ዓዲ ዝተወልዐ ኩናት ዝፈጠሮ ሕፅረት መድሓኒትን ግልጋሎት ሕክምናን እዩ። ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ዝተወልዐ ኩናት ኣንፈቱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ናብ ዘፅለሉሉ መዕቆቢ ስደተኛታት እናተፀግዐ ምምፅኡ ነቲ ማሕበር ልዑል ሻቅሎት ከም ዝፈጠረሉ ገሊፁ እዩ።

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከባ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ንስደተኛታት ጠንጢነን ምዉፅአን ”ዘሕዝን እዩ” ክብል ዝገለፀ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን፣ ብህፁፅ ተመሊሰን ስዱድ ህዝቢ ከገልግላ ድማ ፀዊዑ። ኩናት ኣብ ዝካየደለን ከባቢታት ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ንደሕንነቶም ኣዝዩ ኣብ ዘጨንቕ ኩነታት ብምህላዎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ተጋሩ ምስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ተላዚቦም ህዝቦም ከድሕኑ ህፁፅ ፃዉዒት ኣቕሪቡ። ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  እውን ደሕንነት ስዱታት ተጋሩ ሱዳን ኣብ ምሕላዉ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ኣተሓሳሲቡ።

ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብዓሰረተታት ኣሸሓት ዝቁፀሩ ተጋሩ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ እትኸውን፣ ብስመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ምዕራብ ትግራይ ናብ ትግራይ ብዘይምምላሱ ናብ መረቦቶም ክምለሱ ኣይኸኣሉን። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተፈናቀሉ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ብሓይሊ ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ናብ ትግራይ ክምልስ እዩ ዝብል ልዑል ትፅቢት ነይሩ። እንተኾነ ግን እቲ ስምምዕነት ካብ ወረቐት ክዘልል ብዘይምኽኣሉ ብ ኣማኢት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲን ነበርቲን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ሓሳረ መከረኦም እናረኣዩ ይርከቡ። ብወገን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮነ እቲ ውዕል ፈራሚ ውድብ ህወሓት ነዚ ጉዳይ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዕልባት ክረክብ ዝግብርዎ ርኡይ ፃዕሪ ከም ዘየለ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

 ጉዳይ ፀጥታ ከተማታት ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ኹነታት ከም ዝተሰጋገረ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ሓቢሮም።

ሰላምን ጸጥታን ከተማታት ትግራይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ይመጽእ ከምዘሎ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብመረረት ገሊጾም። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ስዒቡ ሰላምን ጸጥታን ከተማታት ትግራይ ኣዝዩ ከዝሓመቐ ዝዛረቡ ነበርቲ እዘን ከተማታት ብፍላይ ኣብዚ እዋን ድማ ኣዝዩ ናብ ዝከፈአ ብርኪ ከምዝተሰጋግገረ ይዛረቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ዝተወደቡ ከተርቲን ለያቡን ህዝቢ ብሰላም ከይኣትወን ከይወጽእን ዓብዩ ፈተና ኮይኖም ዘለው እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን  ጥራሕ ክልተ መናእሰይ ኣብ ክልተ ከተማታት ብዝተወደቡ ከታሮ ተቐቲሎም እዮም። በቶም ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን እንዳሰስላሰ ሽረን ዝተቐንፀሉ ንፁሃን ተጠርጢሩ ኣብ ቁፅፅር ፓሊስ ዝወዓለ የለን ይብሉ ነበርቲ እተን ከተማታት።

ካብ ከተማታት ዓዲግራት እንዳስላሰ ሸረን  ዝወጹ ሓበሬታ ከምዘመላክትዎ  እቶም ተጎጂሎም ንፁሃት ኣጥቂዖም ዝቐተሉ ‘ለያቡ ‘ ኣይተትሓዙን።  ደስታ ኣለም ነጋሽ ዝተብሃለ  መንእሰይ ነባሪ ከተማ ዓዲ ግራት ምስ ስድርኡ ክፃወት ኣምስዩ ከባቢ ሰዓት 3:00 ንገዛ በመኪና እናመርሑ ዝተወደቡ ጉጅለ ከታሮ መንገዲ ብእእማን ዓፅዮም ካብ መኪና ኣውሪዶም ዝቀተልዎ እንትኸውን  እቲ ቕትለት ሰንበት ሕዳር 30 /2016 ዓ.ም እዩ  ተፈፂሙ።

ነባሪ ከተማ እንዳስላሰ ሽረ  መንእሰይ ጋይም ኣብ’ታ ከተማ ቀበሌ  02 ፍሉይ ቦታ ከባቢ ሆቴል ማይ ሎሚን ከተርቲ ብእምንን ካራን ወቒዖምን ወጊኦምን ደርብዮሞ ዝሃደሙ እንትኸውን  ሰብ በፂሑ  ሕክምና ክወስዶ ኳ እንተፈተነ ክድሕን ኣይከኣለን ። እቲ ተግባር ቅትለት ታሕሳስ 8 /2016 ዓ.ም እዩ ተፈፂሙ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ ከተማ ኣክሱም እውን  ታሕሳስ 9 ን10/2016 ዓ.ም ከባቢ ሓደ ሰዓት ምሸት ዝተወደቡ ከታሮ ንኽልተ ሰብ ቀጥቂጦም ብር 25 ሽሕ መንጢሎምዎም ከምዝጋደሙ ነበርቲ ኣክሱም ይዛረቡ።

ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ከተማታት ትግራይ  ዝተዋደደ ቆላሕታ ከምዘድልዮ ዝተፈላለዩ ነብርቲ ብኣፅንኦት ይምሕፀኒ ኣለው።  እንተኾነ ጉዳይ ጸጥታ ከተማታት ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደ ይመጽእ ዘሎ እንትኸውን መንግስቲን መሓውር ጸጥታ መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ክኣልይዎ ኣይረኣይን። ክሳብ ሐዚ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኮሚሽን ፓሊስ ትግራይ ኣብ ዙሪያ  ዛጊድ ዝበሎ የለን።

ታሽዓይ ዓለምለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ኣብዚ ንተኸታታሊ ክልተ መዓልቲ ዝፀንሐ መድረኽ መፅናዕቲ ኣብ ባህልታትን ቋንቋታትን ትግራይ ዘድሃቡ 21 መፅናዕቲታት ቀሪቦም እዮም። ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዳንኤል ተኽሉ (ዶ/ር) ህዝቢ ትግራይ መቐፀልታ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝበፅሖ በሰላ ግፍዒ ኣብ ዘይቀምረረሉን ብቋንቋታቱ ከይጥቀም ኣብ ልዕሊ ምሕራሙ መንነቱ ብሓይሊ ክልወጥ ይግደድ ኣሎ።

ታሽዓይ ዓለምለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ድማ ህዝብና ኣብ ከምዚ ዝበለ ባህላዊ፣ ቁጠባዉን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ኣብ ዘለሉን ብሰንኪ ሕፅረት ዝናብ ድራር ሓሪምዎ ኣብ ዝጠምየሉን እዋን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕቑር ሃፍቲ ንምጥቃምን ንምምዕባልን ዘለዉና ቋንቋታት ብግቡእ ምርዳእን ምጥቃምን  ወሳኒ ምዃኑ እውን ዶ/ር ዳኒኤል ይገልፁ።

ጋሻ ክብሪ እቲ መድረኽ ዝኾና ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊት ካብኔ ሴክሬታሪያት ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ምህዞ፣ ምርምርን ስልጠናን ኣልጋነሽ ተሰማ (ዶ/ር) ምሽጥር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንዝኾነ ቋንቋ ብመፅናዕቲ ምጥንኻር ቁልፊ ምዕባለ ምዃኑ ገሊፀን። ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ  ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ሳሆ፣ ኩናማን ግእዝን ብማዕረ ክብሪ ሂቡ ክሰርሕን ዝተጀመሩ ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅልን ተላብየን።

ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ካብ 2009 ዓ.ም ክሳብ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘለው ኣርባዕተ ዓመታት ሸሞንተ ተኸታተልቲ ሃገራዊ ሲምፖዝየማት ብምስላጥ፣ ኣብ ቋንቋታትን ባህልታትን  ትግራይ ዘድሃቡ  ዝተፀንዑ 190 ምርመራት ኣብ 14 መፅሓፍቲ  ክሕተሙ ባይታ ዝፈጠረ ትካል እውን  ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ እዩ። እቲ ትካል ዕላዊ ስርሑ ዝጀመረ ብ2009 ዓ.ም እዩ።

700 ኩንታል ሕሩጭ ሓገዝ ዝገበረት ኣርሚ 15

ኣባል ሰራዊት ትግራይ ዝኾነት ኣርሚ 15 ኮር-151 ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ  ኣብ ወረዳታት ኢሮብ፣ ጉሎ መኸዳን ፃዕዳ እምባን ኣብ ዝገበረቶ ቀዳማይን ካልኣይን ዙር ሓገዝ 700 ኩንታል ሕሩጭ ፊኖን ስርናይን ሓገዝ ኣባፂሓ፡፡

እዚ ንኻልኣይ ግዘ ዝተገብረ ሓገዝ ብፍላይ ኣብ  ወረዳ ጉለ መኸዳ ሽዱሽተ ጣብያታት ስድራ ስዉኣትን ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋል ሕብረተሰብን ማእኸል ዝገበረ እዩ። ተረባሕቲ እቲ ሓገዝ ዝኾኑ 800 መጠን ስድራ እንትኾኑ፣ 200 ኩንታል ሕሩጭ ክከፋፈሉ ተገይሩ እዩ።

ነበርቲ እቲ ኸባቢ እውን “ትማሊ ብፀላኢ ከይንሞት ምእንቲ ህዝብኩም ኣደዳ ሞትን መቑሰልትን ዝኾንኩም ደቅና ሎሚ ድማ ብጥሜት ከይንሞት ንዝገበርኩሞ ሓገዝ የቀንየልና” ኢሎም። “ኣብ ደገን ዉሽጥን ዘሎ ትግራዋይ ተመሳሳሊ ሓገዝ ኣጠናኪሩ ክቅፅል” እውን ምሕፅንታ ኣቅሪቦም።

ኣርሚ 15 ኣብ እዋን ፅንተታዊ ኲናት ትግራይ ብኣንፈት ምብራቕ ትግራይ  ንዝመተኸፈተ ወራር ብምምካት ንከተማ ዓዲ ግራት ሓዊሱ መብዛሕትኡ ክፋል ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዳግማይ ኣብ ኢድ ወራሪ ሓይሊ ከይወድቕ ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል ዝመከተት ምዃና ካብ ፍልፍላትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ተወለድቲ ከተማ ዘላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ንተመዛበልቲ ተምሃሮ ናውቲ ትምህርቲ ሓጊዞም

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዘላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ካብተን ከባቢታት ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን ፋፂን ንዝርከቡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ተምሃሮ ብልዕሊ 780 ሽሕ ብር ዝተዓደገ ናውቲ ትምህርቲ ከም ዝሓገዙ ፀብፃብ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣመልኪቱ፡፡

ሓገዝ ዝተገበረሎም ተምሃሮ እቲ ብተወለድቲ ዓዲ ዝገበረሎም ደገፍ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ምስ ትምሃር ዘለዎም ፀገም ዘቃልል ከምዝኾነ እዮም ዝገልፁ። ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ደቆም ከምህሩ ከም ዝተፀገሙ ዝገለፁ ወለዲ ብወገኖም ነቲ ዝገበረ ሓገዝ ብምምስጋን  ዘለና ኩለመዳይ ፀገም ዝፍታሕ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬትና እንትወፅእን ናብ መረበትና እንትንምለስ እዩ ኢሎም፡፡

ንተወለድቲ ዓዲ ወኪሎም ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣይተ ፀጋይ ገብረ ህይወትን ኣይተ ገብረትንሳኤ ሃይሉን ህዝቢ ከተማ ዘላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ዝኸፈኣ ፀገም ከም ዝርከብ ብምግላፅ ሐዚ እውን ተወለድቲን ፈተውቲን ዓዲ ሓገዞም ተጠናኽሩ ክቕፅል ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ተወለድቲን ፈተውትን ዓዲ ህዝቦም ንምድሓን ዝገብርዎ ዘለው ኩለመዳይ ሓገዝ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ልምዓት ከተማ ዘላምበሳ ኣይተ ኣብርሃ ውላድን ኣመሓዳሪ ወረዳ ጎለመኸዳ ኣይተ ሃፍቶም ባራኺን ህዝብና ኣብ ከቢድ ጥምየት ስለ ዝርከብ እቲ ዝግበር ዘሎ ደገፍ ክጠናኸር ይግባእ፣ ክሳብ ሕዚ ንዝተገብረልና ኩለመዳያዊ ሓገዝ ድማ ብሽም ህዝቦም ከም ዘመስገኑ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣዘኻኺሩ፡፡