ብመንግስታዊ ዕፅዋ ትካላት ግልጋሎት ንሞት ይቃልዑ ብምህላዎም ማሕበረሰብ ዓለም ህዝቢ ትግራይ ናይ ምውሓስ ሕጋውን ሞራላውን ግቡኡ ክፍፅም ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓቲቶም።

ብመንግስታዊ ዕፅዋ ትካላት ግልጋሎት ንሕሱም ጥሜትን ሞትን ይቃልዑ ብምህላዎም ማሕበረሰብ ዓለም ህዝቢ ትግራይ ናይ ምውሓስ ሕጋውን ሞራላውን ግቡኡ ክፍፅም ነበርቲ ከተማ መቐለ ፀዊዖም።

ወይዘሮ ተኽለ ዕፃና ህፃን ሓዚላ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ቁፅሪ ሒሳባ ዘለዋ ገንዘብ ክወሃባ ክትሓትት ምምፃኣ ገሊፃ።

ኣዶ 4 ቆልዑ ወይዘሮ ተኽለ “ባንኪ ተዓፅዩ ምስ ገንዘበይ ደቀይ ክዕንግል ኣይከኣልኩን” ክትብል ተዛሪባ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ሕሱም ጥሜት ስድራኣ ኣብ ከቢድ ፈተና ሃላዋት ከምዝርከብ ዝጠቐሰት ወይዘሮ ተኽለ ዕፃና “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ፅንተት ዝዕዘብ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሌና ዓለምለኻዊ ገበናት እናተፈፀመ ብስቕታ ምርኣዩ” ከምዘተሓሳሰባ ሓቢራ።

“ንዘመናት ሰሪሐ ዘዋህለልኩዎ ገንዘበይ ስድራይ ከውሕሰለይ ብዘይምኽኣሉ ልቢ ዝሰብር” ከምዝኾነ ዝጠቐሰት ወይዘሮ ተኽለ “ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት እየ ዘለኹ” ክትብል ተዛሪባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሃገራዊ ባንኪ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ትካላት ፋይናንስ ከይሰርሓ ምግባሩ ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎት ባንኪ ከይረኸበ ልዕሊ 8 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ኣሎ።

ብሕማም ሽኮር ዝሳቐዩ ዘለው ኣይተ ኣብርሃ ተስፋይ ብወገኖም “ስድራይ ካብ ሞት ንምድሓን ቁሩብ ገንዘብ እንተሃቡና ኢለ እየ ናብዚ ባንኪ መፂአ ግን ተስፋ የብሉን” ኢሎም።

ልዕሊ 50 ሽሕ ቅርሺ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዓቚሮም ምንባሮም ዝሓበሩ ኣይተ ኣብርሃ “ምስገንዘበይ ደቀይ ብጥሜት ክህሰዩ ከምምርኣይ ዘሕምም ነገር የለን” ክብሉ ገሊፆም።

“መድሓኒት ስኢነ እየ ግን ኣነ ዕድመ ኣይቀለለንን እቲ ኣውራ ዝፀገመኒ እቶም ወለዶ ፅባሕ ህፃናትን ንኡሳትን ደቀይ እንታይ ቀሊበ ከቐንዮም ዝብል እዩ” ክብሉ ስግኣቶም ኣብሪሆም።

ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ባንኪ፣ መብራህቲ፣ ሕክምና፣ ትምህርቲ፣ ማይን መራኸቢን ብምዕፃው ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝካየድ ዘሎ ገበን ማሕበረሰብ ዓለም ተግባራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ክፈትሕ ሕጋውን ሞራላውን ግቡእ ከምዘለዎ ኣይተ ኣብርሃ ኣተሓሳሲቦም።

ኣዶ ሽዱሽተ ህፃናት ወይዘሮ ኣልጋነሽ ኪዱ እውን ኣብ ባንኪ ዝዓቖረቶ ልዕሊ 20 ሽሕ ቅርሺ ትረኽበሉ መንገዲ ሓቲታ ተስፋ ስኢና ክትምለስ ኢና ረኺብናያ።
“ህፃናት ደቀይ ብሕፅረት ምግቢ ኣብ ኣፍሞት ስለዝበፅሑ ሓደ መፍትሒ እንተረኸብኩ” ኢላ እኳ ናብቲ ባንኪ እንተመፀት እቲ ዕፅዋን ክባን ይቕፅል ብምህላው ህይወት ስድራኣ ከምዘጨንቓ ተዛሪባ።

“ሰብ ምስ ገንዘቡ ክመውት ዓገብ እዩ” ዝበለት ወይዘሮ ኣልጋነሽ ኪዱ “ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ቃላዊ ፃውዒት ሰጊሩ እዚ ዕፅዋ ዝኽፈተሉ ስጉምቲ” ክወስድ ሓቲታ።

እቶም ነበርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስልታዊ ዕፅዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ እናፈፀመ ማሕበረሰብ ዓለም ብስቕታ ምዕዛቡ ኣብ ልዕሊ ወዲሰብ ንዝፍፀም ዘሎ ህልቀት ምፍቃድ ከምዝኾነ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

ወሲኾም እውን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዓለምለኻዊ ገበናት ናይ ምክልኻል ግቡእ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።