ውድብ ናፅነት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንዘላቒ ውሕስና ትግራይ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ስለዝኾነ ለካቲት 11 ኣብ ዝለዓለ ፍናን ኮይንና ክነኽብር ይግባእ ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንዘላቒ ውሕስና ትግራይ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ስለዝኾነ መበል 47 ዓመት ለካቲት 11 ኣብ ዝለዓለ ፍናን ኮይንና ክነኽብር ይግባእ ክብል ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ጠቒሱ።

ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዘመሓላለፈ ውናት ከምህዝቢ ከፅንቱና ዝመፁ ፋሽስታውያን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ብምፅራግ ኣብ ተደራራቢ ወተሃደራዊ ዓወታት ዝኽበር ዘሎ በዓል ምዃኑ ፍሉይ ርዝነት ከምዝወሃቦ ጠቒሱ።

ውድብ ናፅነት ትግራይ ንመበል 47 ግዜ ዝኽበር ዘሎ ለካቲት 11 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ምውላዕ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ዘበሰረት ለካቲት 11 መርኣያ እምቢታ ትግራዋይ ከምዝኾነት ሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ብታሪኹ ንመፅቀጥትን ብሄራዊ ጭቆናን ተቢዑ እናተቓለሰ ከምዝመፀ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ለካቲት 11 እምነኩርናዕ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎ ብሄረ ትግራይ ከምዝኾነት ገሊፁ።

ኣብ ታሪኽ ትግራይ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተሃነፀት በቢመዓልቱ እናተዘከረት ትነብር ወርቃዊት ዕለት ከምዝኾነት ጠቒሱ።

ውናት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ህዝብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ኩሎም ግንባራት ምስ ፀላእቲ ትተሓናነቕ ዘለኻ ጅግና ሰራዊት ትግራይ እንኳዕ ንበዓል ለካቲት 11 ኣብፀሐካ ብምባል ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ተጋድልኡ ዘላቒ ውሕስናኣ ዝተረገገፀ ሃገረ ትግራይ ብምግሃድ ክዛዘም ዴሚክራሲያዊ ሓድነቱን ስምረቱን ኣዋዲዱ ክቃልስ ከምዝግባእ ውናት ሓቢሩ።