ኣብ ትግራይ ብዝፈጠረ ሰብ ሰራሕ ጥምየት ንሓኻይም ከይተረፈ ኣብ ልመና ከምዘእተወ ተገሊፁ።

ሓደ ኣባል ተሓጋገዝቲ ሓካይም ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ከምዝገለፆ ሓካይም እቲ ሆስፒታልን ነርስታትን ዝበልዕዎ ምግቢ ንምርካብ ኣብ ልመና ከምዝበፅሑ ገሊፁ።

እቶም ሓኻይም ኣብ ልዕሊ ስእነት ምግቢ ንዝሓለፉ ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ማሃያኦም ብዘይምኽፋሎም ሂወቶምን ሂወት ስድረኦም ንምቕፃልን ክብሉ ናብ ካልእ ዓይነት ስራሕ ሃሰሰስ ምባል ምጅማረም እቲ ሓኪም ወሲኹ ሓቢሩ ይብፅ ፀብፃብ ቢቢሲ።

አብቲ ሆስፒታል ንተሓከምቲ ዝኸዉን መሳርሒ ናዉቲ ዘይምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓኪም ንመጥባሕቲ ዝዉዕል ጋቢ እኳ ገዛ ገዛ እናተኸደ ይዋፃእ ምህላዉ ተዛሪቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እታ ካብ ዓለም ተገሊላ ትርከብ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዝተፈረደላ ዕፅዋ ናብቲ ሕብረተሰብ ቀረብ ምግብን ናዉቲ ሕክምናን ንምብፃሕ ኣፀጋሚ ኮይኑ ምፅንሑ ዝሓበረ ፀብፃብ ቢቢሲ ካልእ ኣብታ ክልል ግልጋሎት ባንኪ ብምዕፃዉ ሰባት ዝዓቖርዎ ቅርሺ ኣዉፂኦም ክጥቀምሉ ኣብዘይኽእልሉ ብርኪ ምዉዳቖም እዩ ተገሊፁ።

ሓደ ኣካል ናይዚ ዓፀቦ ዝኾኑ ሓካይምን ነርስታትን እዉን ምግቢ ንምርካብ ካብ ዝሓለፈ ሸዉዓተ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ ዘረፋ ተሰሊፎም ምዉዓል ልሙድ ኮይኑ ኣሎ ክብል ዝተዛረበ ስሙ ዘይተጠቐሰ ምንጪ ቢቢሲ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብዓፀቦ ተጠቒዑ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዉ ፀብፃብ ዝተሰረሐሉ ህፃን ሱራፌል መዓርግ እዉን ምንም እኳ ክብደት ዘሲኹ ተባሂሉ ካብ ሆስፒታል ይዉፃእ እምበር ድሕሪ ምዉፅኡ ግን ብስእነት ምግቢ ከምዝሞተ እቲ ሓኪም ነቲ ጣብያ ኣረጋጊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ዜና እወጃና ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ስእነት መድሓኒት ካብ ተሓከምቲ ብዝዘለለ ንሓካይም እዉን ኣብ ዉልቃዊ ሂወቶም ከይተረፈ ዓብዪ ፅልዋ ከምዝፈጠረሎምን ምስቲ ብስእነት መድሓኒት ዝሞት ዘሎ ተሓካማይ ዓይኖም እናረኣየ ከምዝስእንዎ ምዝራቦም ፀብፂብና ኔርና።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናብ ዋና ኸተማ ትግራይ ; መቐለ በረረታት ብምጅማር ቀረባት ሕክምናን ምግብን ከብፅሕ ከምዝኸኣለ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር እዚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዝተርኣየ ተስፋ ዝነኣድ ይኹን እምበር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ መጠን ሕፅረት መድሓኒት ከም ጠብታ ዝቑፀር ምዃኑን ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተገንዚቡ ንዝሐሸ ሓገዝ ድፍኢት ክገብርን ክብሉ ተጋሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከጋዉሑ ቀንዮም እዮም።