ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዕላዊ ዝተገበረ መጽናዕቲ ወጋኒን ዘይሳይንሳውን ከምዝኾነ ምሁራት ሕጊ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ካብ ዘቕረቡ ምሁራት ሕጊ ዩኒቨርሲቲ…

ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ኮነ ተባሂሉ ብትካላዊ መንገዲ ይስረሓሉ ከምዘሎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረስብከት ዓዲግራት ኣፍሊጣ።

ብትግራዋይነቶም ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዕላዊ ጅምላዊ ማእሰርትን ምግፋዕን ደው ክብል…

“ባህሊ ምትሕግጋዝ ብምዕባይ ወረርቲ ሓይልታት ዝደገሱልና ምፅናት ዘርኢ ክነበርዕኖ ይግባእ” ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ጸዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ በቢምዕራፍ ታሪኹ ፈተናታት ናብ ዕድል ዝቕይረሎም ዓርሰ-ምርኮሳ፣ ምኽንያታውነት፣ ፀዋርነትን ጅግንነትን ክብርታት ከምዘለዎ ዝሓበረ ሰሙናዊ…

ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዝወፀ ፀብፃብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብዘካየዶ ዋዕላ ብምትሕብባር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት…

ኣብ ትግራይ፡ ቁጽሪ ብከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ህፃናት ብ600 ሚእታዊ ከምዝወሰኹ ተገሊፁ።

ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድን መሻርኽቱን ሃፍቲ ትግራይ ብምብራሶምን ድሒሩ እውን ኩለመዳይ ዕፅዋ ስዒቡ መጠን ብከቢድ ሕፅረት ምግቢ…

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝፈፀሞ ዕፅዋን ክባን ንማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ምቅልዖም ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ብሰራዊት ትግራይ ተወቒዑ ‘ደጀን ናብ ዝኾነ ቦታ ወፂአ’ ምባሉ ስዒቡ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ…

ትግራይ ካብ ሕሉፍ ዘይተምሃረትሎም ጸጸኒሖም ዘድምይዋ ዘለዉ ታሪኻዊ በሰላታት!

ስልጣነ ትግራይ ክብርኽ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮም ዓውድታት ሕርሻ ዝጥቀስ እዩ። እቲ ተጋሩ ክሳብ ማእኸላይ ምብራቕ…

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ 23 መምህራን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ 23 መምህራን ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብግፍዒ ተቐቲሎም። ካብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ…

ኣብ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝተኻየደ ምዃኑ ክነረጋግፅ ኣይክኣልናን ዝብልዎ ዘረባ ከምዘይቕበልዎ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊጾም።

እቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ኣቢሉ ዝወፀአ ሪፖርት ወገናዊን ወድዓዊ ኩነታት…

ኣብ ሪፈራል ሁስፒታል ዓይደር መቐለ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረኽቡ ዝነበሩ 16 ህፃናት ሞይቶም።

ኣብ ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደርን ሆስፒታል መቐለን ክሕከሙ ካብ ዝመፁኡ 205 ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዘጋጠሞም ህፃናት…

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ [ባይቶና] ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርትን ስቓይን ጠጠው ክብል ፀዊዑ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርትን መጥቃዕትን ኣካል ምፅናት ተጋሩ ምዃኑ ዝሓበረ…

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኻየደ ወራርን ዕፅዋን 85% መራሕቲ ስድራ ትግራይ ውሕስና ምግቦም ከምዘየረጋገፁ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኻየደ ወራር ዝበፅሐ ዕንወትን ዕፅዋን ስዒቡ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ…

ደም ትግራዋይ መጢጣ ከም ትዃን ዝሃጠረት ኢትዮጵያ ዕለት 24 ጥቅምቲ ዝወሰደቶ ኣዋጅ ጽንተት እንትድህሰስ።

ትግራዋይ ብፅፍሩ ዘፍረዮ ጥሪት ንዋቱ እሞ ይትረፍ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ኢትዮጵያ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጎስጓሳት…

ጭብጥታት ሓበራዊ መግለፂ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ

ዕላማ እቲ ንሚድያታት ትግራይ እቲ 20 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ግእዝ ዝተውሃበ መግለፂ ዝሓበረ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ…

ደብዳብ ነፈርቲ ፀላኢ ኣብ ትግራይ፣ ድሃይ መቐለ ከመይ ኣሎ?

ኩሉ ነገር ረጊዑ ፀውፀው ኢሉ ኣሎ። ኣብ ውጥሪ ኲናትን ነገር ኲናትን ኣብ ጥምየትን ከርተትን ዝወዓለት ነብሲ…

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ 10 ሰለማውያን ሰባት እንትሞቱ 21 ኣካላዊ ጉድኣት በፂሕዎም

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቀበሌ 06 ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ሎሚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ክሳብ…

ሕላገት ስልጣነ ትግራይ ዝኾኑ ታሪኻውያን ሓድግታት ኣዕኒኻ ክልምልም ዝድለ ዘሎ ሃገራውነት ኢትዮጵያን ኤርትራን!

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዓንዲ ምትእስሳር ማሕበራዊ መሰረት ህዝቢ መንነት እዩ። ተማራማሪ ሳይንስ ፖለቲካ ጃፓናዊ ፍራንሲስ…

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ 34 መምህራን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ 34 መምህራን ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብግፍዒ ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት…

መብዛሕቲኤን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መዕቖቢ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ስለዝኾና ንምጅማር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ተገሊጹ።

መቐለ፡ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ኲናት ዝጠሓለ ስነ-ልቦናዊ ወጥሪ ህፃናት ንምሕዋይን ወለዶ ንምቕፃልን ትማሊ ሰኑይ 15…

መብዛሕትኦም ብዩኔስኮ ዝተመዝገቡ ሓድግታት ስነ-ጥንቲ ኣክሱም ብሰራዊት ኤርትራ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊፁ።

መቐለ፥ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ብዘካየዶ ዳህሳስ ኣብ ኣክሱም ዝርከቡ መብዛሕትኦም ብዩኔስኮ ዝተመዝገቡ ቅርስታት ስነ-ጥንቲ ብሰራዊት…