ኣብ ቀረባ እዋን ቅልውላው ኲናት ትግራይ ንምህዳእ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝኽእል ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ገሊፃ።

ኣብዘን ሒደት ሰሙናት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክህሉ ከም ዝኽእል ፤ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሑቡራት ሃገራት…

ኣብ ከተማ መቐለ ዝፀንሑ 20 ሽሕ ተመዛበልቲ ናብ ቤቶም ይምልስ ከምዘሎ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኣወጆ ዕፅዋን ክባን እቶም ተመዛበልቲ ንሞትን ሕሱም ጥሜትን ምቅልዖም ዝሓበረ ቢሮ…

ኣብ ትግራይ ብግዱድ ሕፅረት ምግቢ ክሕከሙ ካብዝፀንሑ ህፃናት ልዕሊ 1300 ከምዝሞቱ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ብግዱድ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ትካላት ጥዕና ክሕከሙ ካብዝፀንሑ ህፃናት እቶም 1300 ከምዝሞቱ ቢሮ ሓለዋ…

ሕክምና ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ድሕሪ 10 መዓልቲ ከቋርፅ ከምዝግደድ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ከካይዶ ዝፀንሐ ሕክምና ብስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ድሕሪ 10 መዓልቲ ንኸቋርፅ…

ብቀዳማይ ዙር ወፍሪ ክታበት 145ሽሕን473 ህፃናት ከምዝተኸተቡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

መተሓባበሪ ክንክን ኣዴታትን ህፃናትን ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከይተኸተቡ ዝፀንሑ ህፃናት ስለዝነበሩ…

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ብር ዘዋህለላ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ንኣባልን ሰራሕተኛን ክኸፍላ ከምዘይከኣላ ሓቢረን።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ብር ዘዋህለላ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ንኣባልን ሰራሕተኛን ክኸፍላ ብዘይምኽኣለንንቅልውላው ምቅልዐን ሓቢረንሃገራዊ…

ከተማ ዛላምበሳ ቀጠና ስግኣት ብምዃና ኩነታት ስድረአን ከምዘሻቐለን ካብታ ከተማ ዝተመዛበላ ደቂ-ኣነስትዮ ተዛሪበን።

ብሰራዊት ኤርትራ፣ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተቐማጦ ዛላምበሳ ብምቕንፃል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ…

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ዝተፈጠረ ቅልውላው ንምቅላል ዝጀመረቶ መስርሕ ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ስድራ ብኦንላይን ከምዘመሓየሸቶ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ስልታዊን ስርዓታዊን ምፅናት ዘርኢ መጠን ብማሕበረ-ኢኮነሚያዊ ቅልውላው ንሞት ዝተቓለዐ…

ኲናት ትግራይ ደዉ ንምባል ኣብይ ኣሕመድ ፍሉይ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኮሚቴ ኖቤል ሰላም ኖርወይ ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚቴ ኖቤል ሰላም ነርወይ ኣቢይ ኣሕመድ ኲናት ትግራይ ጠጠው ከብሎ ፉሉይ ሓላፍነት ኣለዎ ክብል ኣፍሊጡ። እቲ…

ሕብራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ድሮናትን ነፈርቲን ደው ክብል ጸዊዑ።

ዋና ጻሓፊ ሕብራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉቴሬዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካይዶ ዘሎ ደብዳብ ደው ከብልን…

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ሒዋነን ማይ ጸብርን ብዘካየዶ ደብዳብ ድሮን 19 ሰባት ሰለማዊያን ሰባት ከምዝሞቱ ኣጃንስ ፋርንስ ፕረስ (AFP) ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ማይጸብሪ ብዕለተ ሶኒ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ድሮን ኣብ እንዳ መጣሓን ይሰርሑ ዝነበሩ 17…

ላዕለወት ኣመራርሓ ኦሮሞ ፌደራላሲት ኮንግረስ(OFC) መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሰላምን ዕርቅን ዘለዎ ቁሩቡነት ብተግባር እውን ከረጋግጽ ጸዊዖም።

ድሕሪ ሞት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ንዛሓለፉ 18 ኣዋርሕ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ጃዋርን በቀለ ገርባን…

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጀኖሳይድ ብስእልን ቅርፅን ኣብ ዝቐረበሉ ኤግዚብሽን ዝተሳተፉ ተጋሩ ፈተናታት ንምብርዓን ብስምረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታትን ተስፋ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ብሕብራዊ ቅብኢ ስእሊን ቅርፅን ዝተሰነየ ኤግዚብሽን…

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዘጥረዮ ሃብቲ ንብረቱ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዎ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፁ።

ኣብ 6ይ ዘበን 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ተረኺቦም ፀብፃብ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ…

ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላት ኣብ ትግራይ ስረሖም ደው ከምዘበሉ ተገሊፁ።

ብሰንኪ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካልኦት ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላትን ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዘካይድዎ…

ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዓሪዱ ዝፀነሐ ወራሪ ሓይሊ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰብኣዊ ኪሳራ ከምዝበፅሖ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ገሊፁ።

ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዓሪዱ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ኸባቢ ነባሪ ንብረትን ጥሪትን ብምዝራፍን ሰለማዉያን…

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ወገናት ዝገበሮ ደብዳብ ካብ ወታደራዊ ዕላማ ወፃኢ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቅድሚ መዓልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ደደቢት ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ብዝገበሮ ሰለስተ…

ማሕበረሰብ ዓለም ምፅናት ዘርኢ ንምክልኻል ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ትካል ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኣይስ ፀዊዓ።

ማሕበረሰብ ዓለም ብህልቀት ተጋሩ ካብዝጠዓስ ሎሚ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ዝተፈጠረ ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ ንምክልኻል ቅልጡፍ ስጉምቲ…

ብምኽንያት በዓል ልደት ን275 ዝተፀገሙ ኣረጋውያን ደቂ ኣነስትዮን ህፃናትን እንግዶት ምሳሕ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ካብ ማሕበረሰብ መቐለ ብዝተረኸበ ድጋፍ ብምኽንያት በዓል ልደት ን275 ዝተፀገሙ ኣረጋውያን ደቂ ኣነስትዮን ህፃናትን እንግዶት ምሳሕ…

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘካየዶ ዕፅዋን ክባን ስዒቡ ዋጋ ሓደ ኪሎ ጨው 1500 ሚእታዊ ወሰኽ ኣርእዩ።

መብዛሕትኦም ሃለቕቲ ንብረታት ስለዝተወድኡ ዝተፈጠረ ቁጠባዊ ምቅዋስ ናብ ዝኸፈአ ጠርዚ ምብፅሑ ከምዘተሓሳሰቦ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር…